Duration 12:12

ጸገማት ኣብ ርእሲ ርእሲ እንዳተበራረዩ ፡ ዘሳቕይዋ ዘለው፡ ብተስፋን ፍቕርን ተኸቢባ ህይወታ ትመርሕ ዘላ፡ ቅሳነት_ሳምሶን (ጓል ዳኛ)

1 885 watched
0
67
Published 9 Oct 2020

#kisanetsamson #eritreanmusic #restnnazete #restnnafoundation camera- Berhane Zecariyas Produced -by Saleh Hassan Asmara, Eritrea ቁ.ስ. 112917314541 for more info and help contact us by email restnnaentertainment@gmail.com or call us 16475129292 (whatsapp, telegram ,IMO , viber) እስኪ ሰብ ሕልና ንቅሳነት ፡ ኣቅስን ነብላ ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ጅግና ስውእ ወላዲኣ ቅስን ክብል'ዩ ቅሳነት ክብል ዝሰየማ ። ዓለም ተፋቂርካን ፡ ተሓጋጊዝካን እትስገር ገደል'ያ ። ብዙሕ ኣሎ ታሪክ ዘይተነግረ ? ስኣን ጸገምካ ናብ ሰባት ምብጻሕን ፡ ምክፋልን ኣብ ገዛ ተዓቢጥካ ሙማት ውን ኣሎ ። ግን ሰብ ድማ ትደሊ ዘማክር ጸገምካ ንሰባት ዝነግርን ዘረድእን ። እዛ ምጭውቲ መንእሰይ ንዕዘባ ዘለና ዘለና ጓል ጅግና ስውእ ሳምሶም ( ዳኛ ) ጣባ እያ ። ራዛ ናይ ኣቡኣ ሓዛ ከም ዝብሃል ድማ ፡ ብልጽቲ ተጻዋቲት ኩዑሶ እግሪ ከም ኣብኣ'ያ ኮይና ። ቅሳነት ፡ ሳምሶም ( ጓል ዳኛ ) ድማ ትብሃል ። ወላዲታ ንቅሳነት ወ/ሮ ፍቅርተ ገና ብህጻና እንኮላ'ያ ሓዲጋታ ንቅሳነት ብሞትት ዝተፈለየት ። ብህጻና ንዝክትምና ዓለም ዝተታሓሐዘቶ ቅሳነት ፡ ናብ ዓባያ ወላዲቱ ንሳምሶም ( ዳኛ ) ምስኣ ንክትዓቢ'ያ ናብ ጣባ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገዛውቲ ዝመጸት ፡፡ ኣብ መንጎ'ዚ ድማ ጅግና ኣቡኣ ሳምሶም ( ዳኛ ) ብመስዋእቲ ስለ ዝተፈለያ ፡ ቅሳነት ምሉእ ብምሉእ ዘክቲማ ብዘይ ኣደ ፡ ብዘይ ኣቦ ፡ ምስ ዓባያ ጥራይ ተሪፋ ትነብር ነበረት ። መከራን ፡ ፈተናን ናይ ቅሳነት ሕጂ ውን ኣብዚ ኣየብቅዐን ። እታ ንቅሳነት ከም ኣቦን ፡ ኣደን ኮይና ንቅሳነት ኣብቲ ሰብ ዝበጽሖ ከተብጽሓ ሓላፍነት ተሰኪማ ዝነበረት ወላዲቱ ንሳምሶም ( ዳኛ ) ውን ብሕማም ካብዛ ዓለም ስለ ዝተፈለየት ፡ ቅሳነት ንበይና ኣብ ዕጽው ገዛ ጽቡቅ ጌራ ዘክቲማ ተረፈት ። .......................በዚ ቁ.ስ 0112917314541 ክትረኽቡዋ ትኽእሉ

Category

Show more

Comments - 11